Eritrean Orthodox Tewahdo ቤት ፍቕሪ እግዚኣብሄር

Eritrean Orthodox Tewahdo ቤት ፍቕሪ እግዚኣብሄር

ቤት ፍቕሪ እግዚኣብሔር ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሕግን ስርዓትን ትምህርትን ተመሪሑን ተማእዚዙን ዝጉዓዝ ማሕበር እዩ። ከምቲ ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ኢሉ ዝሃበና ሕድሪ መሰረት፥ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” ማቴ 28:18-19፥ ዕላማን እዚ ማሕበር በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት እጠቓለል
•\tብትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ንህዝቢ ምጉሳይ
•\tንህዝበ ክርስትያን ምትብባዕን ምምኻርን
•\tወንጌል ምስፋሕ
ኣገልግሎ ናይዚ ማሕበር ናብ ኩሉ ክሊ ዕድመ እኳ እንተኮነ፡ ብፍላይ ግና መንእሰያት ንእምላክን ቤተክርስትያንን ክፈልጥዎን ርክቦም ምስ ኣምላኽ ከማዕብሉን፡ ኣብ ብዙሕ ወልፍን ሕማቅ ልምድታትን ዘልዉ ካብኡ ተናጊፎም፥ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወቶም ይኹን ማሕበራዊ ጉዕዞኦም ውጺኢታውያን ሰባት ክኮኑ ዝሕግዝ እዩ። ብተወሳኺውን ብጭንቀትን ጽምዋን ካልእ ሕልኽላኻት ናይ ህይወት ዕረፍቲ ዝሰኣኑ፡ ዝተረጋግአ ህይወት ክመርሑ ዝመክርን ብዓቅሙ ክገብሮም ዝክእል ሓገዛት የበርክትን። ህጻናት ውን መጻኢ ቤተክርስትያንን ሃገርን ከም ሙካኖም መጠን፡ ካብ ብቀንዲ ኣተኩሮ ሂቡ ዝሰርሓሎምን መደባት ናይ ህጻናትውን ይነጥፍ።

Бейне
KZhead